ታሪኽ ቤተክርስትያን

እዚ ቤተክርስትያን ናይ ሃይማኖት ፍቕሪ ብዝሓደሮም ኤርትራውያን ብዕለት  05.03.2011 ተመስሪቱ::

እዚ ቤተክርስትያን ብርክት ብዝበሉ ኣባላት እዛ ቤተክርስትያን፥ ካህን ከምኡዉን ዲያቆን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዕለት  06.09.2011 ብዝተገብረ ናይ ምእመናን ኣኼባ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ደብረ ኢየሱስ በርገን ኖርወይ ተባሂሉ ክጽዋዕ ተወሲኑ።

ergetዕላማ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ደብረ ኢየሱስ በርገን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምእመናን ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምብጻሕ እዩ።

እዛ ቤተክርስትያን  ብመንገዲ ዻዻሳት፤ካህናት ፤ ድያቆናት ከምኡውን መማህራን ናይ አግዚኣብሄር መንግስቲ ወንጌል ኣብ ምስባኽን ትምህርቲ ወንጌል ምስፍሕፋሕን ትሰርሕ::  ተወሳኺ  እዛ ቤተክርስትያን ዕላማኣ ንእምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምስፍሕን መንፈሳዊ ኣገልግሎታ ዝተማልአ ክኸውን ምግባርን እዩ።

 ብተወሳኺ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እምነት ተኽተልቲ ምዕባይን  ምስፍሕፋሕን ንኹሉ አማኒ ድማ ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ዓሌት፣ ወገን ይኹን ካልእ ፍልልያት ከይገበረት ትምህርቲ እግዚኣብሄርን መንፈሳዊ አገልግሎትን ምብጻሕ እዩ ።

Comments

comments