በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን፣

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ደብረ ኢየሱስ ብእምነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ዝተመስረተት ኣብ ሃገረ ኖርወይ ከተማ በርገን እትርከብ ቤተክርስትያን እያ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ደብረ ኢየሱስ በርገን ብመሰረት ቃለ ኣዋዲ ብዝተዳለወ ናይ ምምሕዳር መምርሒ ትምራሕን ብናይ ኤርትራ ሲኖዶስ ትመሓደር ቤተክርስትያን እያ። እዛ ቤተክርስትያን ካብ ዓሌት፣ ወገንን ነጻ ዝኾኑ ኤርትራዉያን ዝተመስረተት ክትከውን እንኮላ፣ ንኹሉ ኤርትራዊ አማኒ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኮምኡውን ንዝኾነ አማኒ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ክተገልግል ዝተመስረተት እያ።

ዕላማ ናይዛ ቤተክርስትያን ድማ ንኩሎም ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ዝኾኑ ኤርትራዉያንን ብሓፈሻ አመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶን ነቲ ዝሓልፍ ምድራዊ ኣተሓሳስባ በቲ ዘይሓልፍ ሰማያውን ዘልኣለማውን ክብርን ሂወትን ለዊጦም ብፍቕሪ፣ ብሰላምን ብሓባር ኮይኖም ንእግዚኣብሔር ከመስግኑላን መንግስቲ ወንገል ክመሃሩላን እዩ።

እዛ ቤተክርስትያን  ብመንገዲ ዻዻሳት፤ካህናት ፤ ድያቆናት ከምኡውን መማህራን ናይ አግዚኣብሄር መንግስቲ ወንጌል ኣብ ምስባኽን ትምህርቲ ወንጌል ምስፍሕፋሕን ትሰርሕ::  ተወሳኺ  እዛ ቤተክርስትያን ዕላማኣ ንእምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምስፍሕን መንፈሳዊ ኣገልግሎታ ዝተማልአ ክኸውን ምግባርን እዩ።


ሓጺር ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ደብረ ኢየሱስ በርገን ኖርወይ 2011-2017


 


መንፈሳዊ ቪድዮ ካብ ናይ 2ይ ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ኢየሱስ በርገን 2013


 

 


መንፈሳዊ ቪድዮ ካብ ናይ 1ይ ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ኢየሱስ በርገን 2012