አንቲ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ወይስ ኣዝማሪት

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን

“አንቲ ጓለይ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ወይስ ኣዝማሪት”

1ይ ክፋል

ሎሚ ካብታ ኣዝየ ዘፍቅራ ዓባየይ ዝተመሃርክዎ ምህሮ እየ ከካፍለክን። ዓባየይ ንዓይ መሓዛይ ኣደይ መምህር ሃይማኖተይ ኮታስ ዓባየይ ንዓይ ኵሉ ጽቡቕ ነገር ኢያ። እዚ በጺሐዮ ዘለኹ ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ደረጃይ ዋላ እኳ ዝነኣድን ዘኹርዕን እንተዘይኮነ፡ናይ’ዚ ምንጪ ግና ካብ ህጻንነተይ ኣትሒዛ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ሥነ ምግባርን እናመሃረት፡ ናብዚ በጺሐዮ ዘለኹ ደረጃ ከም ዝበጽሕ ዝገበረት ዓባየይ ኢያ። ዓባየይ ኣብ ኤርትራ ገዲፈያ ናብ ስደት ካብ ዘምርሕ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓመተይ ኮይኑ ኣሎ። ብድሕሪ ዓባየይ ግን መንፈሳውነተይ ተዘሪጉ፡ ኣይ ኣብ ዓለም ኣይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኽልቲኡ እናደባለቐኩዎ ተሓዋዊስኒ ኢዩ ኔሩ። ብቐትሪ ክዝምር ይውዕል ብለይቲ ድማ ክደርፍ ይሓድር፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ልብሲ መዘምራን ጌርካ ምዝማር ይሰማምዓኒ፡ ኣብ ጓይላ ድማ ነቲ ቤት መቕደስ ዝኾነ (ሰብነተይ) ሕምብርተይ ቀሊዐ ነተን ቀርቃራት ዳንጋይ ከፊተ፡ ኣጥባተይ ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተኸፊቱ ካልኦት ሰባት ከም ዝርእይዎ ንምግባር ብርቱዕ ጻዕሪ ኢየ ዘካይድ። ኣተሓሕዛ ጸጕረይ ውን ብዙሕ ዓይነት ኢዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዕፉን ብግዲ ምሽፋን ኢዩ፡ ንደገ ምስ ወጻእኩ ግን እንታይ እንታይ ዘይመስለልኩም፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ነቲ ኣብ ዓዲ እንከለኹ ዓጺደ ዝእክቦ ዝነበርኩ ጭራሮ (ናይ ቊሚጦ) ኢየ ዘምስሎ፡ ሓንሳብ ድማ ዝተፈላለየ ሕብሪ እንዳስተኹ፡ነተን ዓባየይ ስፈ ክትሰፊ እንከላ ዝዕድገላ ዝነበርኩ ቂሐ ጽልሚ እየ ዝመስለልኩም፡ ብኸምዚ መንገዲ ናብዝን ናብትን እናበልኩ መርገጽየይ ከይነጸረ፡ ጕራ ጕራ ለምጻም ኮይነ ዝሓለፍኩዎም ዘመናት፡ ኵሉ ሰብ “እንታይ እያ እዚኣ ንፍስቲ መንፈሳዊት” እናበለ ይጽውዓኒ ከም ዝነበረ ሕጂ ሕይወተይ ብዓባየይ ዳግማይ ምስ ተሓደሰ ኢዩ ተረዲኡኒ።
ዓባየይ ኣብ እርጋና ከቢድ ሕማም ስለ ዝሓመመት ኣብ ኤርትራ ክትሕከም ስለ ዘይተኻእለን ኢዩ ንዝበለጸ ሕክምና ናብ’ዚ ዘለናዮ ምዕራባዊ ዓለም ብምምጻእ ኣብ ሽዱሽተ ዓመተይ ገጻ ክርኢ በቒዐ። ሕክምናኣ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ኢያ ወዲኣቶ። ብምሕረት ኣምላኽ ቀልጢፋ ስለ ዝሓወየት ኣብ ገዛና ምሳና ንኣስታት ሠለስተ ወርሒ ዝኣክል ተቐመጠት። ዓባየይ ንዓይ ብምርኣያ ሕጉስትን ሕዝንትን ኢያ ኔራ። ኣብ ነዊሕ ዓመት ብኣካል ብምርኻብና ከሐጉሳ እንከሎ፡ መንፈሳዊ ሕይወተይ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ንሽሙ ጥራይ ዘማሪት ተባሂለ ክጽዋዕ ክትርእየኒ እንከላ ግና ከቢድ ሓዘን ኢዩ ተሰሚዕዋ። “ዓባየይ ኣምላኽ ጥዑም ኢዩ፡ ቀልጢፍኪ ሓዊኺ” ክብላ እንከለኹ፡ “እዛ ጓለይ ናተይ ሕማም ናይ ሥጋ ሕማም እዩ ኔሩ፡ ንሱ ካብ ሞት ዘይሓልፍ ሕማም እዩ፡ ንስኺ ግና ናይ ነፍሲ ሕማም ኣለኪ፡ ካብዚ ሕማምኪ እንተዘይተፈዊስኪ ናትኪ ሞት ዕረፍቲ የብሉን” ብምባል እያ መሊሳትለይ።
ሓደ ካብ መዓልታት ናይ ሓንቲ መሓዛይ መርዓ ተዓዲምና ንዓባየይ ውን ናብቲ መርዓ ምሳይ ሒዘያ ይኸደልኩም። እንታይ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ሕዝቢ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዝለበስኦ ናይ ሕስራን ልብስን ካብ መጠን ዝሓለፈ መጋየጺታትን እናረኣየት ብጓሂ ሕማማ ከይደግሳ ኢኻ ትፈርሕ፡ ናብ እዝነይ ቅርብ ኢላ ድማ እዛ ጓለይ በጃኺ ኢለኪ ካብዚ ኣፍ ደገ ሞት ኣውጺእኪ ንገዛይ ምለስኒ ክትብል ጀሚራ፡ ኣነ ግና ናይ ምስዕሳዕ ክቱር ድሌት ስለ ዝነበረኒ ሐራይ ዓባየይ ዕሰሌ ይበሉ እሞ ክንብገስ ኢና እናበልኩ ቊሩብ ክትዕገስ ከም ዘለዋ ከመልክተላ ጀመርኩ። ገና ዘረባና ከይወዳእና መርዓውቲ ኣትዮም ዳስ ብጓይላን ሆይ ሆይታን ክርበሽ ጀመረ። መርዒት መሓዛይ ድማ ኣይንርኣያ፡ ንሥነ ጽባቐ ኢላ ዝገበረቶ መጋየጺ ንሥነ ጽያቐ ኮይንዋ እያ መጺኣ። ዓባየይ ነዚ ርእያ ብምግራም ኣንቲ ጓለይ እዚኣስ መሓዛኺ ድያ ብሓቂ፧ እንታይ እዮም ክለኽይዎ ውዒሎም እቲ ገጻ ሓሙኽሽቲ መሲሉ፧ እቲ ከንፈራ ኸ እንታይ ኢዩ ዝመስል እንታይ ቀይሕ መይሕ እዩ፧ እስከ እዚኣስ እንታይ እያ ክትበሃል ሕጂ መርዓት ድያ ወይሰ ሓመደይቲ ጭርናዕ፧ ኣንቲ ዓባየይ እቶም እንዳ ሜክ ኣፕ እዮም እኮ ከምኡ ጌሮም ኣባላሽዮማ፡ ኣጋጣም ዘይክእሉ ረኺባ እያ ትኸውን። ኣንቲ ጓለይ ተዛሪበ ኢልኪ ዲኺ እዚኣ እኮ ባምቡላ ወይ ገረብ ኣይኮነትን፡ ባምቡላን ገረብን ጥራይ እዮም ሰብ ዘእተወሎም ክዳን ዝኽደኑ ሰብ ዝቐብኦም ሕብሪ ድማ ስቕ ኢሎም ዝቕበሉ፡ እዚኣ እኮ ምስሊ ናይቲ ቅዱስ እግዚአብሔር ዝኾነት ክብርቲ ፍጥረት ኢያ፡ ደሓር ከኣ ካብቲ እግዚአብሔር ዝሃባ ናይ ተፈጥሮ መልክዕ ዝበልጽ ዶ ካብ ሰብ ክትረክብ ሓሲባ እያ። ንምንታይ እያ ነቲ ኣምላኽ ዝሃባ መልክዕ ኣሜን ኢላ ካብ ምቕባል’ሲ ዘይንሳ ንምምሳል ከም መለሊኽ ማሕበር ቦያታት ክትልከ ዝወዓለት፧ ብምባል ገጻ ካባይ ምልስ ኣቢላ ናብቲ ጓይላ ጠመተት እሞ ንመሓዛይ እትገብሮ ኵሉ ምንቅስቓሳት ክትዕዘብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣንቲ ከመይ እናበለት እያ’ኸ ጽዕስዕ፧ ነዚኣስ ኣበይ ፈሊጥክያ ኢኺ ኸ መሓዛይ ትብልያ፧ ዝብሉ ሕቶታት ኣከታቲላ ምስ ኣቕረበትለይ በታ ቀዳመይቲ ሕቶኣ ኣነ ክስዕስዕ ከም ዘይብለይ ንነብሰይ ተቓሊሰ ከእምና ተገዲደ፡ ምኽንያቱ ናይ ዘይትፈልጦም ሰባት ከምዚ ካብ ኣቖጥዓ፡ ናተይ ናብ ምንታይ ከም ዘብጽሓ ንምግማት ዘአግም ኣይነበረን። ነታ ካልአይቲ ሕቶኣ ግና፡ ኣቲ ዓባየይ መሓዛይ ኢያ እናበልኵኺ ኣበይ ክፈልጣ ድኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምሳይ “ዘማሪት” እኮ ኢያ። ምስ በልኵዋ ገደደደ።።“ዘማሪት፧ ኣንቲ ጓለይ ክትቆጻጻ እንከላ እሞ ጽቡቕ ጌርኪ ርኣይያ፡ እዚኣስ ዘማሪት ድያ ዋላስ ኣዝማሪት፧” ኣንቲ ዓባየይ ኣዝማሪት እኮ እታ ኣብ ገዛውትና ኣውድኣመት ክኸውን ከሎ ብዋጣ እንገበረት ጽዕስዕ ዝነበረት በለጠሽ እትበሃል ኢትዮጵያዊት ከምኣ ማለት እኮ ኢኺ ትብሊ ዘለኺ። ንሳ ምስ’ዛ ዘማሪት መሓዛይ እንታይ ኣራኺብዋ፡ ንሕና ንዝምር ኢና ንሳ ግና ትደርፍን ጽዕስዕን ጥራይ እያ። ሔዋን ጓለይ ንስኺ ውን ከም ናታ ጽዕስዒ ዲኺ፧ ምስ በለትኒ፡ ዓባየይ ኣብዚ ዓዲ ዝበዝሓ መዘምራን ይስዕስዓ እየን፡ እቶም ካህናት ድማ ሳዕስዒትን ማህሌትን ደርፍን መዝሙርን ብሓደ ስለ ዘይከይድ፡ እተን ኣብ ጓይላ ዝሓደርክን ክፅምራ ኣይግብኣክንን ኢዩ ኢሎም ከልኪሎምና ኣይፈልጡን ኢዮም፡ ከምኡ ዝብል ናይ መዘምራን ሕግን ሥርዓትን ውን የብልናን። ስለ’ዚ ንሶም ዘይከልከሉናስ ዓበየይ ድማ ዘየጨንቕ እዩ ዘጨንቐኪ፡ ሎሚስ ልዕሊ ካህን እምበር ክትኮኒ ደሊኺ ብምባል ክምልስላ እኳ እንተፈተንኩ፡ ዓበየይ ግና ብመንፈሳዊ ሕይወት ዝበሰለት ብጸጋ እግዚአብሔር ዝኸበረት ስለ ዝነበረት “ሔዋነይ ሰብ ሕጊን ሥርዓትን እኳ እንተዘይተሠርዓሉ፡ ክፍጠር ከሎ ምስኡ ዝተፈጥረ ሕማቕን ጽቡቕን ፈልዩ ዘፍልጥ ሕጊ ኣብ ልቡ ተጻሒፍዎ ስለ ዝፍጠር፡ ሕጊ ዘይተገብረለይ ሥርዓት ዘይተሠርዓለይ ኢሉ ከመኽኒ ግቡእ ኣይኮነን። (ሮሜ ፪፡፩፬፡፩፭) ቅደሚ ኣቦና ሙሴ ዝነበሩ ቅዱሳን ኣብ ዘመኖም መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮምን ናይ ኣምልኾ ሥርዓት ውን ኣይተሠርዓሎምን፡ በቲ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ ልቦም ዘቐመጦ ሕጊ (ሕገ ልቦና) ተመሪሖም ትራይ ጽቡቕ ካብ ሕማቕ እናፈለዩ ብምስራሕ ንእግዚአብሔር ኣስሚሮሞ እዮም። ንስኺ ግና ብዛዕባ ደርፍን ጓይላን ሳዕስዒትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከቢድ ኃጢኣት ምዃኑ ተጻሒፍልኪ ኢዩ። (ገላ ፭፡፩፱፡፪፩ ሮሜ ፩፫፡፩፫ ፩ይ ጴጥ ፬፡፩፡፫ ።።።።።) ብሕጽር ዝበለ ደርፊ ናይ ኣጋንንቲ ኢዩ እዛ ጓለይ፡ ነቢይ ኢሳይያስ ውን `ኣብኡ ኣጋንንቲ ክደርፉ እዮም` ኢሳ ፩፫፡፪፩ ይብል፡ ምድራፍ ጥራይ ዘይኮነ ንደርፊን ጓይላን ምድጋፍን ምትብባዕን ውን ሥራሕ ኣጋንንቲ ምዃኑ ብኸምዚ ዝስዕብ ተጻሒፉ ኣሎ “እናደረፉ ምስ ኣጋንንቲ ይጻውቱ ነበሩ፡ ኣጋንንቲ ውን ንኹሉ ጽወታኦምን ደርፎምን የድንቕሎም ነበሩ” ፫ይ መቃ ፫፮፡፪፯፡፪፰። እሞ “ነቲ ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይኮነልኩምን እዩ፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትቅበሉ ውን ኣይኮነልኩምን እዩ፡ ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ከነቕንኦ ዲና፧” ፩ይ ቆሮ ፲፡፪፩፡፪፪። ዝብል ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ከ እንታይ መልሲ ይህልወኪ ይኸውን፧ ሔዋን ጓለይ ሕጂስ ዝተረድኣኪ ኢኺ እትመስሊ ርኢኺ እዛ ጓለይ ስራሕ ኣጋንንቲ እናሰራሕኪ፡ ልብኺ በዚ ናይ ኣጋንንቲ ስራሕ ዝኾነ ደርፍን ጓይላን ተመሊኡ እንከሎስ በየናይ ሕልና ኢኺ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቆይምኪ ክፅምሪ፡ ከመይ ኢልኪ ኸ በተን ናይ ኣጋንንቲ መሠርሒ ዜማ ዝኾነ ከበሮ ናይ ጓይላ ዝረኸሳ የእዳውኪ፡ ነቲ ብቅዱስ ሜሮን ዝኸበረ ንዋየ ቅድሳት ናይ ያሬዳዊ ዜማ ንምዝያም ዝጥቀምሉ ከበሮ ብድፍረት ክትንክፍዮ፡ እቲ ከም እንስሳ ዝተፈላለየ ህዋሳትኪ ተቐሊዑ ኵሉ ሰብ ክርእዮ ተጋሊጹ ንብዙሕ ሰብ ናይ ዝሙት ስምዒቱ ከም ዘለዓዕል ብምግባር ኣብ ኃጢኣት ከም ዝሽመም ዝገበረን፡ ብዝተፈላለየ ኢክርስቲያናዊ ዝኾኑ ቅብአታት ናይ ሰዶም ዝተቐብአ ኣካላትኪ ነቲ ክቡርን ቅዱስን ልብሲ መዘምራን ክትለብሲስ ከመይ ዘይትፈርሕን ዘይተንቀጥቅጥን፧ ነዚ ንዋየ ቅድሳት ምስ እትደፋፈሪ ዝወርደኪ መቕጻዕቲ ኣብ ትንቢተ ዳንኤል ናይ ብልጣሶር ወዲ ንጉሥ ነቡከደነጾር ታሪኽ ኣስተውዕሊ። ንሱ ነቶም ኣቡኡ ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ብምምጻእ ኣኽቢሩ አቐሚጥዎም ዝነበረ ንዋየ ቅድሳት ኣብ ቤት ጓይላ ኣምጺኡ መንፈሳዊ መስተ ንኽስተየሎም ዝተቐብኡ ሥጋዊ መስተ ክስተየሎም ገበረ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ክብልዓሎም ዝተቐብኡ፡ ሥጋዊ መግቢ ክብልዓሎም ኣዘዘ፡ ብድሕሪ እዚ ናይ እግዚአብሔር ቊጥዓ ኣብ ልዕሊኡ ነደደ’ብሃንደበት ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከት ኢድ፡ መንደቕ ናይቲ ንጉሥ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ቤት በሲዓ ብምእታው ኣብ ፊቱ ማኔ ቴቄል ኡፋርሲን፡ ዝብሉ ሠለስተ ቃላት ጽሒፋ ተሰወረት። ትርጉሙ ድማ “ማኔ” ማለት ኣምላኽ ንመንግሥትኻ ቆጸሮን ጠረሶን፡ “ቴቄል” ማለት ድማ ተመዚንካስ ፈኵስ ኮይንካ (ቀሊልካ) ተረኺብካ ማለት ክኸውን ከሎ፡ “ኡፋርሲን” ድማ መንግሥትኻ ተመቒላ ንሰብ ፈርስን ሜዶንን ተዋህበት ማለት ኢዩ።
ስለ’ዚ ነቲ ሥጋዊ ምስ መንፈሳዊ፡ ነቲ ኣምላኻዊ ድማ ምስ ሰይጣናዊ ምትሕውዋስ፡ ኣብ ምቕዳስ ጸኒሕካ ኣብ ምድናስ፡ ኣብ መዝሙር ጸኒሕካ ድማ ናብ ጓይላን ሳዕስዒትን ምኽያድ፡ ከም ናይ ብልጣሶር ብሚዛን እግዚአብሔር ተመዚንካ ፈኲስ (ቀሊል) ኮይንካ ከም እትርከብ እዩ ዝገብረካ፡ ፍጻሜኡ ድማ ከም ናይ ብልጣሶር ሕማቕ ሞት ኢዩ። (ትን ዳን ፭፡፩።።።። ፍጻሜ)
ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ “ሓሰማስ ተሓጺባ ኣብ ጸብሪ፡ ከልቢ ድማ ናብ ትፋኡ ተመልሰ ” (፪ይጴጥ ፪፡፪፪)ከይበጽሓኪ ሓዲኡ ድኣ ሓዚ። ብምባል ዘረባኣ ምስ ወድአት ዘረባኣን ትምህርታን ኵሉ ደስ ኢልኒ ተቐቢለዮ ከብቅዕ፡ ነታ ንክንደይ ሰባት ንዓይ ውን ከይተረፈ መዐንቀፊ ኮይናትና ዝነበረት፡መልሲ ውን ዘይረከብኹላ ሕቶ፡ ዓባየይ ብኸመይ ትምልሰለይ ምእንቲ ክፈልጥን ነቶም ከምኡ እናበሉ ዝሓቱ ድማ ተቢዐ እቲ ቅኑዕ መልሲ መታን ክነግሮምን ግና “ኣንቲ ዓባየይ’ እሞ ጓይላ ናይ ኣቦታትና ዘይኮነን፧ ብምባል ገለ ነዛ ኵሎም ሰባት ከም መዐንቀፊ ዝኾነት ቃል መልሲ ክጥበኒ ኢለ ብሕቶ መለስኩላ። ነዚ ውን እንተ ኾነ ዓባየይ መልሲ ንምሃብ ኣየሸገራን። “ሔዋን ጓለይ ነዛ ሕቶ ንምምላስ ቀሊል እዩ፡ ኣቦታትኪ ዝበሃሉ በዓል መን እዮም፡ ነዚ ሕቶ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃል ክንምልሶ እንከለና ትራይ እዩ ዝቐልል፡ ክርስቲያን ድማ ንዝኾነ ዝመጸና ሕቶ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ብናትና ትርጉምን ሓሳብን ክንምልሶ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እምነት ኣቦታትኩም ኣኽብሩ እምበር ክፉእ ልምዲ ኣቦታትኩም ኣኽብሩ ኣይብልን እዩ። (እብ ፩፫፡፯) ኣቦታትና ዝበሃሉ ድማ እቶም ብመንፈስ ብሃይማኖት ዝወልዱና ነብያት ሐዋርያት ሰማዕታትን ጻድቃንን እምበር ብሥጋ ዝወለዱና ጥራይ ኣይኮነን። ብሥጋ ዝወለዱና ሥጋውያን እንተኾይኖም ናታቶም ሥጋዊ ነገር ክንክተሎ ኣይግበኣናን፡ ብሥጋ ዝወለዱና መንፈሳውያን እንተኾይኖም ግና ኵሉ መንፈሳዊ ነገሮም ንኽተሎ። ነቶም ጓይላን ሳዕስዒትን ስኽራንን ንዕኡ ዝኣመሰለ ዘዘውትሩ ወደሊ ኣቦታትና ኢልና ንጽውዖም እንተሃሊና ግና ከምቲ ጐይታ ዝበሎ “ንስኻትኩም ናይ ኣቦኹም ናይ ዲያብሎስ ግብሪ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም” ዝብል መልሲ ኢዩ ዝወሃበና። (ዮሐ ፰፡፫፭፡፵) ስለ’ዚ ሔዋን ጓለይ ኣቦታትኪ ብዛዕባ ጓይላ እንታይ ከም ዝጸሓፉልኪን ሥርዓት ከም ዝሠርዑልክን ድማ ክነግረኪ ኢየ ጽን ኢልኪ ስምዕኒ። ሰባት ንደርፊ ከም ስራሕ ጌሮም ክሕዝዎ ምዃኖም አቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ኣቦታትኪ ብፍላይ “ፍትሐ ነገሥት መንፈሳዊ ብዛዕባ ስራሕ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ከም’ዚ ይብል “ብዛዕባ ተግባረ ኢድ ግን ኣብ ዓለም ካብ ዝስርሑ ስራሐት መንፈሳዊ ሕጊ ዝቃወም ስራሕ እንተ ዘይኮይኑ ኩሉ ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ። ከም ደርፍን ሕማቕ ጸወታን ብእግርኻ ምሽብሻብ (ዳንስ ጭፈራ) እንተ ዘይኮይኑ ፍት።ነገ መን።አን።፪፫፡፰፳ እዚ ናይ ኣቦታት ቃል ደርፊ ከም ስራሕ ክቑጸር ከም ዘይብሉ ዘረድእ እዩ።
ብርግጽ ውን ሐዋርያት ኣብ ዲዲስቅልያ “ኢትኩኑ ዘፈንያነ” ደረፍቲ ኣይትኹኑ ኢሎም ጽሒፎምልና እዮም። (ዲድስ ኣን ፯) መጽሐፈ ሓዊ ድማ “ካብ ሰይጣን ዝተረኽበ ስለ ዝኾነ ጓይላን ሳእስዒትን ካባና ከነርሕቕ ይግበኣና” ይብል መጽ ሓዊ አን ፶። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቂ ድማ ካብ ምእዛዝ ሓሊፉ “ጓይላ ንኽትገድፉ እልምነኩም ኣለኹ” እናበለ ይምሕጸነና። (ተግ ዘዮሐ አፈ ፪፰)
ጓይላ ኣይንገድፍን ንዝበሉ ድማ መጽሓፈ ሓዊ “ኣብ ጓይላ ጸኒዖም ንዝነብሩ ክፍረዶም እዩ” ብምባል ከጠንቅቐና እንከሎ ንርኢ (መጽ ሓዊ አን ፩፪) ነዚ ናይ ቅዱስ ሓዊ ቃል ሐዋርያ “ናይ ሥጋ ስራሕ ግሉጽ እዩ ንሱ ድማ ዝሙት ስኽራን ጓይላ ነዚኣቶም ዝገብሩ መንግሥቲ ኣምላክ ኣይወርሱን እዮም ብምባል ዘቐመጦ ናይ መጠንቀቕታ ቃል ሓደ እዩ። ገላ ፭፡፪፩ ክፈርዶም እዩ ማለትን ናይ እግዚአብሔር መንግሥቲ ኣይወርሱን እዮም ማለትን ፍልልይ የብሉን።
ሔዋን ጓለይ ይኣኽለኒ ካብዚ ናይ ዳንኬራ ቦታ ከዕርፍ ገዛ ውሰድኒ እሞ እቲ ዘዝተረፈ ድማ ኣብዩ ክንምልኦ ኢና፡ ኢላትኒ ናብ ገዛ ተበገስና። ኣብ ገዛና ዝመሃረትኒ ትምህረቲ ድማ ኣብ ዝቕጽል ሒዘልኩም ክቐርብ እየ። ክሳብ ሽዑ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት
ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት
ናይ ኵሎም ቅዱሳን ጸሎትን ምሳና ጸኒዑ ይንበር ኣሜን።

Comments

comments

Posted in ስብከተ ወንጌል.