ቅዱሳት ኣሳእል

ከም ዝፍለጥ ፈጣሪ ዅሉ ዝኾነ ቅዱስ እግዚአብሔር ብኣምላኽነቱ ዘይረአን ዘይድህሰስን ረቂቕ መንፈስ ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፈቲ የረድኡ(ዮሓ 4፣24) እግዚአብሔር መንፈስ እዩ እቶም ዝሰግድሉ ድማ ብሓቅን ብመንፈስን ክሰግድሉ ይግባእ።ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ነቲ ጐይታና ዝመሃሮ ትምህርቲ ብምኽታል እግዚአብሔር ረቂቅ(መንፈስ) ምዃኑ ክገልጽ ከሎ “”ጐይታስ መንፈስ እዩ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘሎ ሓርነት ኣሎ ይብል(2ቆሮ 3፣17)፣ በዚ መሠረት እቶም ኵሉ ጊዜ ብዘይ ምቁራጽ ንእግዚአብሔር ዘገልግሉ ቅዱሳን መላእክቲ ውን ረቀቕቲ መናፍስቲ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና፣ መዝ 103(104)።4 ሕቶ።-ቐዲምና ከም ዝገለጽናዮ እግዚአብሔር ረቂቕ እንተደኣ ኮይኑ መላእክቲውን ረቀቕቲ መናፍስቲ እንተደኣ ኮይኖም ንእግዚአብሔር ኮነ ንመላእኽቲ ከመይ ኢልና ብሥእሊ ክንገልጾም ንኽእል፨ እግዚአብሔር kidus giorgisእዚ ይመስል መላእክቲ ውን ነዚ ይመስሉ ኢልና ብስእሊ ከነቕርቦምከ ይግባእዶ፧ መልሲ።- ብርግጽ ንእግዚአብሔር ብባህሪኡ ወይ ብእምላኽነቱ(ብመለኮቱ) ሲኢልካ ወይ ገሊጽካ ክትገልጾ ዝከኣል ኣይኮነን መኽንያቱ ጐይታ ሰማይን ብምድርን ምሉእ ንዝኾነ ጐይታ ኃዲጎም ሥእሊ እናሰኣሉ ቅርጺ እናቐረጹ ኣማልኽቲ እዮም እናበሉ ንጣዖታት ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብትሪ ተነቒፎም እዮም፣ (ዘፀ።-20።1-6)”ካብ ምድሪ ግብጺ ካብ ባርነት ዘውፃእኩኻ ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽካ እየ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይተምልኽ፣ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ካብ ዘለዉ ምስልን ሥእልን ዘበለ ንኣኻ ኣይትግበር ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እየ፣እንተኾነ ግና እግዚአብሔር ንእሙን ኣገልጋሊኡ ኣብርሃም ብናይ ሠለ ስትነት ምሥጢር ብሠለሰተ ሓለፍቲ መገዲ መሲሉ ከም ዝተገልጸሉ መጽሓፍ ቅዱስ የረድእ፣ ዘፍ 18።1 ስለዚ ነዚ ታሪኽ እዚ ብሥእሊ ምግላጽ ቅቡልን ኣገዳስን ምዃኑ ተረዲኣ ቅድስት ቤተክርስቲያን ናይ ኣብርሃ ሥላሴ ብዝብል ቅጽል ብሥእሊ ኣቕሪባ ንትምህርቲ ትጥቀመሉ ኣላ፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ውን ብኣምሳል ሰባት ማለት ብናይ ሰብ ኣረኣእያ ንኣጋር ኣደ እስማኤል (ዘፍ16።7) ንያዕቆብ(ዘፍ32።1) ንበልዓም (ዘሁ22።31)ንኢያሱ(ኢያ5።13)….ወዘተ ሰባት መሲሎም ስለዝተገልጽሎም ንውዕለቶምን ተራዳእነቶምን ኣገልግሎቶምን ታሪኾምን ብኣምሳል እቲ ዝተግልጽሉ ምስሊ ብመልክዕ ሥእሊ ኣቕሪባ ንምእመናን መረድኢ ትጥቀመሉ ኣላ ሰለዝኾነ ምስቲ ኣብ ኦሪት ዘፀኣት 20።1 ተጻሒፉ ዘሎ ትእዛዝ ዝጋጮ ኣይኮነን፣ ብኣምሳል ሰብ ሥኢልካ ናይ ጸጋ ወይ ናይ ኣኽብሮት ስግደት ምቕራብ ኣሰር ኢያሱ ምስዓብን ክብሪ መላእኽትን ምፍላጥን እምበር ግጉይ ኣይኮነን፣ ካብ እግዚአብሔር ተላኢኾም ኣብ ሓዊ ዝተደርበዩ ሠለስተ መንእሰያት ካብ እቶን ሓዊ ንዘናገፎም ኣብ ማእከል ሓዊ ክመላለስ ከሎ ውን ብናቡከደነፆር ዝተራእየ ቅዱስ ገብርኤል ነቲ ዝገበሮ ረድኤት ብመልክዕ ሥእሊ ምቕራብ እንታይ ኣበር ኣለዎ፨(ዳን።-3፣1-30)፣ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ብናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ተላኢኹ ንዘድኃኖም ቅዱስ ገብርኤል ብሥእሊ ሥኢልካ ናይ ጸጋ ስግደት ምቕራብ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ቅድስና ተረዲእካ ብፍቕሮምን ረድኤቶምን ተደሲትካ ዝግበኦም ክብሪ ምሃብ ዘንቅፍ የብሉን፣ ከመይ ንዅሉ ዘዝግብኦ ሃብዎ ስለዝብል፣ ንጉሥ ናቡከደነፆር ውን እኮ ጽቡቕ ንዝገበረሉ ንነቢይ ዳንኤል ተደፊኡ ናይ ጸጋ ስግደት ከም ዝሰገደሉ ተጻሒፉ እዩ ስለዝሰገደሉ ውን ኣይተነቕፈን፣ ዳን- 2፣46 ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሥእሊ እቲ ንቕኑዓት ምእመናን ዝራዳእን ዘማልድን ቅዱስ መልእኽ ትሕት ኢልና እንተሰገድናስ መን ይቃወመና፨ እቶም ዝኃለፉ ቅዱሳን ብምስጋዶም ስለ ዘይተነቕፉ ዝነቅፍ የብልናን፣ ሓቂ እዩ ሥእልን ቅርጻ ቅርጽን ብብዙኃት ዘይኣመንቲ ከም ጣዖት ናይ ኣምልኾ መግለጺ ኮይኑ ይስረሓሉ ምንባሩን ዘይቅቡል ከቢድ ኃጢአት ከም ዝኾነ ውን ነቢይ ሕዝቅኤል ገሊጽዎ ኣሎ፣ ከም ኣገላልጻ እቲ። ነቢይ እቲ ቀንዲ ኃጢአት ኮይኑ ዝቑጸር እቲ ሥእሊ ዘይኮነስ ብምኽንያት እቲ ሥእሊ ኣምልኾ ጣዖት ምፍጻሙ እዩ፣

selygoytaይኹን እምበር ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ንዝኾኑ ቅዱስን መላእኽቲ ብሥእሊ ኣዳሊኻ ንኣመንቲ ምቕራብ ፍቑድ ከም ዝኾነ ካብቲ ባዕሉ ዘፍቀደ እግዚአብሔር ኣብ መጽሓፈ ነገሥት ተኣዚዙ ንረኽቦ ኢና፣ እዚ ድማ ነቢይ ሙሴን ንጉሥ ሰሎሞንን ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ንዝኾኑ ኪሩቤል ብወርቂ ቀሪጾም ኣብ ልዕሊ መኽደኒ እቲ መኅደሪ መለኮት ዝኾነ ታቦት ከቐምጥዎ ኣዚዝዎም ምንባሩ ከምኡ ከም ዝገባሩን ይፍለጥ፣ (ዘፅ።- 25።18)(1ነገ8።7) ስለዚ ከምቲ ወርሒ ብከዋኽብቲ ተዓጂባ ክትበርህ ከላ ኣዚያ እትደምቕ ከምቲ ሞሮር ብዕንባባ ተሸፊኑ ማዕሪጉ ዝረአ ቤተክርስቲያን ድማ ብዝተፈላለዩ ኣሣእል ቅዱሳን መላእክት ጻድቃን ካልኦት ቅዱሳን ደሚቓን ወቂባን ክትረአ ከላን ብርግጽ መንበርን ዝፋንን ናይ እግዚአብሔር ምዃና ብዝበለጸ ንምርዳእ ሓጋዚ ይኸውን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ዝርከቡ ዓበይቲ ጥቕምታት እቲ ብዝግባእ ንሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝኽተል ኣማኒ ኵሉ ካብ ቅዱስት ኣሳእል ክልተዓበይቲ ጥቅምታት ትረክብ። ንሳቶም ድማ ረድኤትን ትምህርትን እዮም፣ 1.ብመልክዕ ሥእሊ ዝቐርብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ንኽትርድኦ ቀሊልን ኣብ ሓንጐል ዝሰርጽን እዩ፣ ኣብ ካልኣይን ሣልሳይን ምዕራፋት ናይ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ ታሪኽ ኣዳምን ሔዋንን ከመይ ኢሎም ከም ዝተፈጥሩን ከመይ ኢሎም ብተመን ከምዝሰሓቱን ብመልክዕ ሥእሊ ክርአ ከሎ ዝያዳ ንጹር ኮይኑ ንዝኾነ ሰብ ክርድኦ ይኽእል እዩ፣ ኣብርሃም ንይስሐቅ ወዱ ንእግዚአብሔር ክሥዉኣሉ ከሎ እግዚአብሔር ከኣ ንመሥዋዕቲ ዝኸውን በጊዕ ክቕርበሉ ከሎ ብመልክዕ ሥእሊ ምስ እንዕዘብ ኣቦንነት ኣብርሃምን ንተኣዛዝነት ይስሐቅን ብቐሊሉ ትርዳእ፣ ስለዚ ንዅሉ ታሪኽ ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ። ጥምቀቱ። ስቅለቱ።… ትንሣኤኡ። ዕርገቱ ብሥእሊ ኣዳሊኻ ንምእመናን ምቕራብ ማለት ንወንጌል ምምሃርን ምስፋሕን ማለት’ዩ፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ንሰብ ገላትያ ክግሥጾም ከሎ “”ኣቱም ዓያሹ ሰብ ገላትያ ቀደም ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ከም ስቑል ኮይኑ ተሣኢሉ ነበረ”"ገላ3፣1፣
2.እቲ ካብ ቅዱሳን ኣሣእል ዝርከብ ካልእ ጥቕሚ ከኣ ረድኤትዩ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ልዳት ቤቱ ወይ ኣብ ከውሒ ናይ ዝፈትዎም ቤተሰቡ ሥእሊ ይሰቅል’ዩ ኵሉ ጊዜ ነቲ ሥእሊ እናረኣየ ድማ ይዝክሮምን ፍቕሩ ይገልጸሎምን ብጥንቃቐን ብጽርየትን ድማ ነቲ ሥእሊ ይካናኸንዎ።ኣብ ሥርዓተ ሃይማኖት ድማ ምእመናን ናይ ክርስቶስ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ መላእክቲ ናይ ጻድቃንን ሥእሊ ኣብ ቤተክርስቲያን ፍቕሮም ንምግላጽ ይጥቀምሉ፣ ከምኡ ውን ንዝተገብረሎም ውዕለት ብምዝካር ሓገዝን ረድኤትን ንምርካብ ገጽ እቲ ሥእሊ እናረኣዩ ብምጽላይ በረኸት ንምርካብ ይጥቀምሉ፣ ብርግጽ ኣብ ቅድሚ ሥእሊ እቲ ምእንታና ብዙኅ መከራ ረኺቡ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ክንጽሊ ከለና ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ናይ ጸሎት ኣጋጣሚ ፍቕሪ ክርስቶስ ክስወጠናን ኣዕሚቝና ብምስትንታን ድማ ሕልናና ኣብ ሰማይ ሰቒልና ክንጽሊ ኣዚዩ ሓጋዚ ምዃኑ ባዕልና ፈቲና ከነረጋግጾ ንኽእል ሓቂ እዩ፣ ናይ ቂሳርያ ሊቀ ጳጳስ ኣውሳብዮስ ብዛዕባ ሥእሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምስክር ከሎ “”ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርቢ ደሙ እናፍሰሰ መስቀሉ ተሰኪሙ ናብ ጐልጎታ ኣብ ዝጋዓዘሉ ዝነበረ እዋን ካብተን እናበኸያ ዝስዕበኦ ዝነበራ ኣንስቲ ቬሮኒካ ዝተባህለት ሰበይቲ ናይ ርእሳ መሸፈኒ ኣውፂኣ ገጹ ክደርዘሉ ንጐይታ ሃበቶ እሞ ጐይታ ድማ ነቲ ብደምን ራሃጽን ዝጠልቀየ ገጹ ደሪዙ መለሰላ፣ ናይ ገጹ መልክዕን ምስልን ድማ ኣብቲ ጨርቂ ተሓቲሙ ተረፈ።”" ይብል፣
ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ውን ብዛዕባ ሥእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ጽሒፉ ኣሎ፣ ኣብቲ “”ታሪኽ ሓዋርያ ያዕቆብ ዝብል ናይ ትውፊት መጽሓፍ ንመጀመርታ ጊዜ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥእሊ ቅዱስ ሉቃስ ከም ዝሠኣሎ ይገልጽ፣ ስለዚ እቶም ቀዳሞት ክርስቲያን ውን ኣገዳስነት ሥእሊ ተረዲኦም ባዕሎም ይሥእሉ ምንባሮም ኣብነት ምዃኑ በዚ ክንርዳእ ንኽእል፣
ጥንታዊ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ከም ዝገልጾ ኣገዳስነት ቅዱሳት ኣሣእል ክሳብ መጀመርታ 8ይ ክፍለ ዘመን ክብሩ ትዓቂቡ እኳ እንተጸንሐ፣ሃንደበት ግና ካብ ማእከል ክርስቶሳውያን ገለ ውሑዳት ንክብሪ ቅዱሳት ኣሣእል ክቃወሙ ስለዝጀመሩ ብፍላይ ኣብ ግዝኣት ሮማን ቢዛንታይንን ከቢድ ክርክር ኮነ፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ 797ዓ,ም መራሕቲ ኵለን ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ጉባኤ ሠሪዖም ቅዱሳት ኣሣእል ብኽብሪ ክተኃዙን ክኽበሩን ክንሳለሞምን ናይ ክብሪ ስግደት

aselekedusanክንሰግደሎምን ከም ዝግባእ ውሳኔኦም ኣኅለፉ፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ኦርቶዶክሳውያንን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ክርስቲያንን ንቅዱሳት ኣሣእል ዓቢይ ክብሪ ክህቡ ይርከቡ ኣለዉ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በረኸት ዝተቐደሰ ሥእሉን ምሕረቱን ይሃበና፣ ኣሜን! ምንጪ፣ – ታሪኽን ሥ ርዓትን ቤተ ክርስቲያን መጽሔት ቤተ ልሔም ደ/ሰ/ቅሚካኤ ል ዓዲ ቀይ ሕ

Comments

comments

Posted in ትምህርቲ ሃይማኖት.