ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብደም ጐይታ ዝተመሥረተት፡ ኣብ ትምህርቲ ነቢያትን ሓዋርያትን ዝጸንዐት፡ ሥርዓታን ትውፊታን ድማ ቅዱሳት መጽሓፍት መሠረት ዝገበረ ናብ ቅድስና ዝመርሕ ሓዋርያዊን እዩ። ኣዝዩ ሰፊሕ መንፈሳዊ ሥርዓትን ትውፊትን ስለዘለዋን ዓቂባቶ ድማ ስለእትረከብን እንኳዕ ኣብ ውሽጣ ብእምነት ንዘሎ ካብቲ ጸጋኣ ንዝሳተፍ ይትረፍሲ ነቶም ካልኦት በጻሕቲ ዓለም እኳ ክንደየናይ ከምዝምስጥ ዝስሕቶ የልቦን።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እተኽብሮም ሰናብቲ፡ እትጾሞም ኣጽዋማት፡ እትጽልዮ ጸሎት፡ እትቖሞ ማኅሌት፡ እትቕድሶ ቅዳሴ፡ እተብዕሎም በዓላት ወቦ ዘተርፈ መሠረትን መንፈሳዊን ታሪኽን ትውፊትን ከምዘለዎም ከነስተውዕለሉ ይግባእና። ነዚ ምፍላጥን ምስኡ ድማ ኣጸቢቕካ ምልላይን ምዝማድን ድማ ናይዚ ወለዶ ግደ ይኸውን።
በዚ መሠረት ድማ ዘለናዮ ዓቢይ ጾም ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞን ዝመሥረቶን ከም ምዃኑ፡ ኣብዚ ወርሓት ጾም ዝርከቡ ሰናብቲ፡ ጐይታ ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንዝፈጸሞም ተኣምራትን ንዝሃቦም ትምህርትታትን መዘከርታ ምእንቲ ክኾኑ ነናተን ስም ተዋሂብወን ይበዓላ እየን። ብመንጽር ናይቲ ተዋሂብወን ዘሎ ስማት ድማ እቲ በዓል ምስቲ ስም ብዝሰማምዕ ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍት ከምኡውን ስብሓት እግዚአብሔር ብምቕራብ፡ ብምዝማር፡ ብምጽላይ፡ ብምቕዳስ ተብዕሎ። በዚ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘሎዋ ዝምድና ክንደየናይ ልዑልን ዓሚቕን ምዃኑ ከንርዳእ ንኽእል ኢና።

ከመይሲ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተነቢቦም ዝሕለፉ ዘይኮኑስ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ  ተዓቂቦም ዝጸንሑን፡ ብግብሪ ጐሊሖም ዝረኣዩን እዮም።
ንግባእኬ ኀበ ጥንተ ነገር እዩ (ናብ ዝቐደመ ነገርና ንመለስ) እሞ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብሥርዓታን ትውፊታን ብልጽግቲ እያ። ስለዝኾነት ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ንባብን ዜማን ብምውህሃድ ጾመ ድጓ ኣብ ዝተባህለ መጽሓፉ ኣብ ዓቢይ ጾም ንዝርከቡ ሰናብቲ ነናቶም ፍሉይ መዝሙር ሰሪዕሎም ይርከብ። ኣብቲ መዝሙር ብዘሎን ብዝፍልፍልን ምሥጢር ድማ ነፍስ ወከፍ ሰንበትን ብኡኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ሰሙን ነናቱ ስያመ ኣለዎ።
  • ቀዳመይቲ ሰንበትን ዘወረደ ወይውን ሙሴኒ ተባሂላ ትፍለጥ።
  • ካልኣይቲ ሰንበት – ቅድስት
  • ሣልሰይቲ ሰንበት – ምኵራብ
  • ራብዓይቲ ሰንበት – መጻጉዕ
  • ሓሙሸይቲ ሰንበት – ደብረ ዘይቲ (ፍርቂ ጾም)
  • ሻዱሸይቲ ሰንበት – ገብር ኄር
  • ሻብዓይቲ ሰንበት – ኒቆዲሞስ
  • ሻሙነይቲ ሰንበት – ሆሳዕና ይበሃሉ።
ካብ ሆሳዕና ክሳብ ትንሣኤ ዘሎ መዓልትታት ሕማማት ክብሃል ከሎ ኣብቲ ሰሙን እቲ ምእንቲ ደቂ ሰባት ጐይታ ንዝተቐበሎ ጸዋተወ መከራን ሞትን ዘዘካኽሩ ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይንበቡ ካልእ ምስኡ ዝኸይድ ሥርዓት’ውን ይፍጸም። ዓርቢ ስነ ስቕለቱ ዝዝከረሉ ኮይኑ ቀዳም ድማ ብፍሉይ ቀዳም ስዑር ተባሂላ ተሰምያ ኣላ። ጽባሕ ቀዳም ስዑር ዘሎ ሰንበት ድማ ትንሣኤ ጐይታ እንዝክረሉን ነብዕለሉን ናይዚ ጾም ድማ መኸተምታ ዝግበረሉን እዩ።
ጾምና ናይ በረኸትን፡ ሰላም፡ ቅሳነትን፡ ፍቕርን፡ ሓድነት፡ ዓወትን ይግበረልና!!!
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።
ኣሜን!!!

Comments

comments

Posted in ጾም.