ሰሙነ ሕማማት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሰሙነ ሕማማት ማለት ኣብ መወዳእታ ናይ ዓቢይ ጾም ዝርከብ ሰሙን ኮይኑ፡ ካብ ሆሣዕና ምሸት ክሳብ ቅድሚ ትንሣኤ ንዘሎ ቀዳም ለይቲ የመልክት። ብካልእ ኣበሃህላ
ቅድሚ ትንሣኤ ዘሎ ሓደ ሰሙን ሰሙነ ሕማማት ተባሂሉ ይፍለጥ። በዚ ሰሙን እዚ ምእመናን ንኵሉ ዋኒኖም ሓዲጎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ንውዕለት ጐይታ እናዘከሩ ስለ ሕድገት ኃጢኣቶም መዓልትን ለይትን ዝምኅጸኑሉን ዝበኽይሉን ዝሓዝኑሉን ዝሰግዱሉን ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ጥራይ ፍሉይ ሥርዓት ዝፍጸመላ ሰሙን እያ። ዓርቢ ስነ ስቕለቱ ዝዝከረሉ ኮይኑ ቀዳም ድማ ብፍሉይ ቀዳም ስዑር ተባሂላ ተሰምያ ኣላ። ጽባሕ ቀዳም ስዑር ዘሎ ሰንበት ድማ ትንሣኤ ጐይታ እንዝክረሉን ነብዕለሉን ናይዚ ጾም ድማ መኸተምታ ዝግበረሉን እዩ።

ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካህናትን ምእመናን ኣብ ኣጸደ ቤተ ክርስቲያን ተጋቢኦም ካብ ሥጋዊን ነገረ ኃጢኣትን ርሒቖም ብዛዕባ ነገረ ሕማሙ ስቅያቱ ንዝዝየም ዜማ ክቕበሉን ክምልሱን፤ ግብረ ሕማማት ተባሂሉ ዝፍለጥ መጽሓፍ ከንብቡን ክሰምዑን ክሰግዱን ክጽልዩን ይቕንዩ። እቲ ሰዓታት ጸሎት ካብ ንዋም ዝጅምር እኳ እንተኾነ በዚ ሰሙን’ዚ ካህናትን ምእመናንን ካብ ነግህ ዝጀመሩ፤ ሠለስቱ፤ ስድስቱ፤ ተስዓቱ ሰዓት ከምኡ’ውን ብሰርክ ብመራሕያን ካህናት እናተመርሑ ኣበርቲዖምን ኣብዚኆምን ዝሰግዱሉን ዝጽልዩሉን ጊዜያት እዩ። በዚ ሰሙን እዚ ንሕማማት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እናዘከርና ምስኡ ብምትሕሓዝ ኣብዚ ሰሙን ንዝተፈጸሙ ዓበይቲ ግብርታትን ፍጻመታትን ንዝክረሉ ፍሉይ ሥርዓት ዘለዎ ሰሙን ከኣ እዩ።

ደብረ ኢየሱስ ቤተከርስትያን በርገን ብምኽንያት እዚ ናይ ሕማምማት ሰሙን መደባታ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣዳልያ ከመዘላ ንኹሉ መእመናን ትሕብር።

1. ካብ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ናይ ስግደትን ጸሎትን መደብ፥
ቦታ፤ ኣብ ደብረ ኢየሱስ ቤተክርስትያን
ሰዓት፤ 10:00- 18:00። ዓርቢ ስቕለት ካብ ሰዓት 08:00 ይጅምር

2. ትንሳኤ ጐይታ፥
ቦታ፤ Bergen domkirke adresse: Domkirkeplassen 1, 5003 Bergen
ሰዓት፤ ካብ ቀዳም ዕለት 11.04.2015 ሰዓት: 20:00 ዝጅምር ቅዳሴ ኣሎ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ።
ስብሐት ለማርያም እመ አምላክ እግዝእትነ ወመድኃኒነትነ።
ስብሐት ለመስቀለ ክርስቶስ ዕፀ መድኃኒት ኀይልነ ወጸወንነ።

Comments

comments

Posted in ጾም.