ምሥጢረ ቍርባን

 “እቲ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነውን ኣብኡ እነብር ዮሓ 6:56

ክርስቲያን ዝኮነ ኵሉ ነዞም ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ክመሃሮም ይግባእ ‘’ ኣዕማድ’’ ማለት ኣዕኑድ ማለት እዩ:: ኣዕኑድ መበሊኦም ድማ ዓንዲ ንገዛ ተሰኪሙ ከምዘጽንዕ እዚኣቶም ድማ ናይ ምእመናን ልቢ ብእምነት ስለ ዘጽንዑ እዮም:: ‘’ምሥጢር’’ ምባሎም ምስጢር ዝተባህለሉ ምኽንያት ብዓይንና ክንርእዮም ብኣዕዳውና ክንድህስሶም ዘይንኽእል በብዓይነቱ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ በዞም ምሥጢራት’ዚኦም ምኽንያት ስለዝወሃበና እዩ::
ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ማለት ከኣ
1. ምሥጢረ ሥላሴ
2. ምሥጢረ ሥጋዌ
3. ምሥጢረ ጥምቀት
4. ምሥጢረ ቍርባን
5. ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን እዮም::
እምበኣር ንሓሙሽቲኦም ኣዕማደ ምሥጢር በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣገባብ ተማሂርና ከነጽንዖም ክርስቲያናዊ ግዴታናኳ እንተኾነ ብፍላይ ምሥጢረ ቍርባን ምስ ምሥጢረ ተክሊል (ቃል ኪዳን) ዝተተሓሓዘ ስለዝኾነ ኵሎም ምእመናን ቃል ኪዳን (ተክሊል) ዝኣስሩ ዝኾኑ ብፍላይ ምሥጢረ ቍርባን ከጽንዑን ፈሊጦም ክቈርብዎ ስለዝግባእ ንሎሚ በዚ ምሥጢረ ቍርባን ትምህርትና ክንጅምር ኢና::
ካህን ብጸሎተ ቅዳሴ “ኣሓዱ ኣብ ቅዱስ ኣሓዱ ወልድ ቅዱስ ኣሓዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ቀዲሱ ብምብራኽ ኅብስትን ወይንን ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ኮይኑ ይልወጥ እሞ ተለዊጡ ሥጋኡ በሊዕና ደሙ ሰቲና ናይ ኃጢኣትና ሥርየት ረኺብና ደቂ እግዚኣብሔር ንምኳን ዘብቅዕ ስነ ሥርዓት ምስጢረ ቍርባን ወይ ምሥጢረ ሥጋሁ ወደሙ ይበሃል:: ዝተቐደሰ ሕብረት ኢሎም ዝጽውዕዎውን ኣለዉ:: እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብምኽንያት ሥጋኡን ደሙን ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ሕብረት ዘመልክት ማለት እዩ::

mstire kurbanምሥጢረ ቍርባን ዝመስረተ ባዕሉ ክርስቶስ ጐይታ እዩ:: ድሮ ዝተሰቅለሉ ምሸት ሓሙስ ምግቢ ክበልዑ ከለዉ ጐይታ እንጌራ ኣልዒሉ ባሪኹ ቈሪሱ ንደቀ መዛምርቱ እንኩ ብልዑ እዚ ሥጋይ እዩ ኢሉ ሃቦም:: ጽዋዕውን ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ኵላትኩም ካብዚ ጽዋእ’ዚ ስተዩ: ምእንቲ ብዙሓት ንሥርየት ኃጢኣት ዝፈስስ ናይ ሐዲሽ ኪዳን ደመይ እዩ ማቴ 26:26 ማር 14: 22-27 ሉቃ 22: 15-20 መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምሥጢረ ቍርባን ምምስራቱ ኣቐዲሙውን ንሓዋርያት ብዛዕባ ሥጋኡን ደሙን ብዝርዝር ኣረዲኡ ነይሩ እዩ:: ማለት ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ ካብዚ እንጌራ’ዚ ዝበልዕ ንዘለዓለም ክነብር እዩ::ንዓለም ሕይወት ክኸውን እዚ ኣነ ዝህቦ እንጌራ ሥጋይ እዩ በለ፡ ሽዑ እዚ ክብል ከሎ ኣይሁድ እዚ ሰብዚ ሥጋኡ ንኽንበልዕ ከመይ ገይሩ ክህበና ይኽእል ብምባል ነንሕድሕዶም ተኸራኸሩ::ጐይታ ኢየሱስ ድማ ከምዚ በሎም: ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ: ናይ ወዲ ሰብ ክርስቶስ ሥጋ እንተዘይበላዕኩም ሕይወት የብልኩምን ኵሉ ሥጋይ ዝበልዕን ደመይ ዝሰትን ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣለዎ:: ኣነ ከኣ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ከተንስኦ እየ:: ምኽንያቱ ሥጋይ ብልዒ ሓቂ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ’ሞ ሥጋይ ዝበልዐ ደመይ’ውን ዝሰተየ ኣነ ኣብኡ ክነብር እየ ንሱ ድማ ምሳይ ሕያው ዝኾነ ኣቦ ከምዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ድማ ብእኡ ሕያው ከምዝኾንኩ ከምኡ ድማ ሥጋይ ዝበልዐ ብኣይ ሕያው ኽኸውን እዩ ይብል:: ዮሓ 6:51-57:: እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ጥቕሲ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ምእንቲ ድሕነትና ከም ዝተሠርዐ የረድኣና:: ስለዚ ከምቲ ኣብ 1ይ ቆሮ 11: 27-29 ዝተገልጸ ሰብ ብኃጢኣቱ ተኣሚኑን ተናዚዙን ኪቕበሎ ኣለዎ:: ኃጢኣትና ከይኣመንና ከይተናዘንናን እንተተቐበልናዮ ግና ኣብ ፍርዲ እዩ ዘውድቐና ከመይ ምሥጢር ምባሉ ከኣ ሥጋኡ በሊዕና ደሙ ሰቲና ዘይርአ ሰማያዊ በረኸትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ስለ እንረኽበሉ እዩ::
ሕጂውን ከይተረድኦ ነጺሑ ንዘይቅበሎ ነዚ ኅብስቲ’ዚ ዝበልዐ ነዚ ጽዋእ’ዚውን ዝሰተየ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ፍርዲ ከምዜምጽእ ተገሊጹ ኣሎ::
ስለዚ ከይተገብኦ እንጌራ ጐይታ ዝበልዕ ጽዋእ ጐይታ’ውን ዝሰቲ ኣብ ናይ ሥጋ ጐይታ እዩ ዝዕግብ::
እምበኣር ሰብ ካብዚ እንጌራ’ዚ ቅድሚ ምብልዑን ካብዚ ጽዋእ’ዚውን ቅድሚ ምስታዩን ርእሱ ይመርምር ከመይ ሥጋ ጐይታ ምዃኑ ከይፈለጠ ዚበልዕን ዚሰትን ኣብ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ እዩ ዘምጽእ:: በዚ ምኽንያት እዮም: ኣብ ማእከልኩም ብዙኃት ሕሙማትን ድኹማትን ዘለዉ ዝሞቱውን ብዙኃት ኢዮም:: ኣብ ገዛእ ርእስና እንተንፈርድሲ ኣይምተኾነንናን ኔርና ጐይታ ክፈርደና ከሎ ግና ይቐጽዓና እዩ ዘሎ እዚ ከኣ ምስ ዓለም ምእንቲ ከይንኹነን ኢሉ እዩ:: 1ይ ቆሮ 11:27- 32 ብዝበሎ መሰረት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን በዕለተ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዓለም ንምድሓን ዝተሰቅለ ኣማናዊ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ምዃኑ ብምእማን እተስተምህረሉን እዩ’ሞ: ካብ ኃጢኣት ነጺሕኩም ካብ ቂምን በቐልን ርሒቕኩም ተነሲሕኩም ተቐበሉ እንዳበለት ትምህርን ተቝርብን:: ካህን እቲ ኅብስቲ ኣብ ጻሕሊ እቲ ወይኒ ኣብ ጽዋእ ገይሩ እንዳባረኸ ጸሎተ ቅዳሴ እንዳብጽሐ እቲ ኅብስቲ (እንጌራ) ተለዊጡ ሥጋ ወዲ እግዚኣብሔር (ሥጋ መለኮት) እቲ ወይኒ ተለዊጡ ድማ ደመ ወልደ እግዚኣብሔር (ደመ መለኮት) ይኸውን::
ስለዚ ከምቲ ቅ/ዮሓንስ ዝበሎ ‘’ ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ ‘’ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና ንሓድሕድና ኅብረት ኣሎና፡ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ኃጢአትና የንጽሓና እዩ፡ ኃጢአት የብልናን እንተበልና ግና ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን ኃጢኣትና እንተ ተናዘዝና ይቅረ ክብለልና ካብ ኵሉ ዓመጻውን ከንጽሓና እሙንን ጻድቅን ኢዩ:: ኃጢአት ኣይገበርናን እንተበልና ሓሳዊ ንገብሮ ቃሉውን ኣባና የልቦን እዩ፡ ዝብል 1ይ ዮሓ.1:7-10 ራእ 1:5
ቀጺሉ “ኣነውን ጐይታ ንስኻ ትፈልጥ በልክዎ ንሱ ከኣ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕደዉ:: ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም:: ኣብታ መቅደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ:: እቲ ኣብቲ ዝፋን ዘሎ ከኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኡ ክተኽሎ እዩ:: እቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ገንሸል ስለዝጓስዮም ኣብ ዒላታት ማይ ሕይወት ከኣ ስለዝመርሖም ኣምላኽውን ካብ ኣዕይንቶም ንብዓት ዘበለ ክደርዘሎም እዩ’ሞ ደጊምሲ ኣይክጠምዩን ኣይክጸምኡን እዮም ጸሐይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይክረኽቦምን እዩ ይብል ራእይ ዮ.14:17

ስለዚ በዚ ሕጽር ዝበለ ቃላት ምሥጢረ ቍርባን ተረዲእናን ፈሊጥናን ክንቅበሎ ስለዝግባእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋኡ በሊዕና ደሙውን ሰቲና ምሳና ክነብር ንሕናውን ምስኡ ክንነብር እንተኾይኑ ብንጽሕናን ብቅድስናን ተዳሊና ክንቅበሎ ይግባእ ከመይ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ኣብ ገዛእ ርእስና ፍርዲ ከይነምጽእ ክንጥንቀቅ ስለ ዝግብአና እዩ 1ይ ቆሮ.11:29 ብፍላይ ነዞም ሥርዓተ ተክሊል ዝፍጽሙ ዘለዉ መርዓውቲ እዚ ምሥጢርዚ ፈሊጦምን ተረዲኦምን ክቕበልዎ ይግባእ:: ማለት ቃል ኪዳንውን እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ብጸሎተ ተክሊልን ብቕዱስ ቁርባንን ክፍጸም ከሎ ምሥጢርነት ኣለዎ:: ካብዚ ወጻኢ ምስ ዝኸውን ግን ምስጢር ኣይባሃልንዩ:: ሓዋርያ ቅ/ጳውሎስ “እዚ ምስጢር (መርዓ) ዓቢ እዩ” ኣነ ግና ብክርስቶስ ብቤተ ክርስቲያንን እምስሎ ኣለኹ ኤፌ 5:32 ብዝበሎ መሰረት ኣብ ጊዜ (መርዓ) ተክሊል ብዝርአዩ ምልክታትን ማለት ብኻትም (ቀለበት) ኣብ ኣጻብዕ ኢዶም ዝመልስዎ: ጻዕዳ ክዳንን ብቅብኣ ቅዱስ ዝቕብዕዎን በቲ ኣክሊላት ኣብ ርእሶም ዝደፍእዎን በቲ ካህን ዘብጽሖ ጸሎትን ቡራኬን በቶም ዝፍጸሙ ሥርዓታትን ኣቢሉ ዘይርአ ጸጋ ስለዝርከብ እዩ ከምኡ ዝበለ::
ስለዚ ቃል ኪዳን መደምደምታኡ ብቅ/ቁርባን ኮይኑ መርዓውቲ ቅ/ቁርባን ተቐቢሎም ምስ ዝምርዓዉ ‘’ እቲ ቃል ኪዳን ይጸንዕ እቲ እግዚኣብሔር ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ ’’ ብዝበሎ ደቂ ሰባትውን ንኽፈላልዩዎም ዕድል ኣይረኽቡን ብዘይ ምፍልላይ ድማ ክሳብ ሞት ዝጸንዑ ይኾኑ:: ማቴ. 19:6 ዝተባረኹ ውሉድ ይወልዱ መዝ.127:3 ብሐፈሻ ናይ ምክብባርን ምፍቓርን ምርድዳእን ምትእምማንን ብኹሉ ነገር ናይ ተሰማሚዕካ ናይ ምንባር መንፈስን ብምሥጢረ ተክሊል እዩ ዝርከብ’ሞ ምሥጢረ ቍርባንን ተክሊልን ክነጻጸሉ ዘይክእሉ ዓበይቲ ምሥጢራት ስለዝኾኑ ፈሊጥናን ኣስተውዒልናን ተማሂርናን ኣጽኒዕናን ክንቕበሎም እግዚኣብሔር የሓግዘና::
‘’ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ’ሞ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ’’ ዘሌ19:2 1ጴጥ 1: 16

Comments

comments

Posted in ኣዕማደ ምስጢር.